|
ራእይ ማሕበር ልምዓት ትግራይ
ማሕበር
ልምዓት ትግራይ ማሕበር ኢኮኖሚያዊ ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ንምፍታሕን ዝሓሸ መነባብሮ
ንኽነብርን ብመንግስትን ብህዝቢ ትግራይን ዝግበሩ ዘለዉ ልምዓታዊ ምንቅስቓሳት ብኹሉ ዘለዎ
ዓቕሚ ብንጥፈት ክትሳተፍ ምፅንሓ ዝፍለጥ እዩ። ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ሰለስተ ዓመታት ኣብ
ትግራይ ዝተኻየዱ ልምዓታዊ ስራሕቲ ብዙሓትን ዘተባብዑን ዋላ እኳ እንተኾነ ምስቲ ዘለና
ዝተሓላለኸን ሱር ዝሰደደን ድኽነትን ድሕረትን ኣንፃር እንተረአ ግና ሕዝ’ውን ኣዝዮም
ብዙሓት ስራሕቲ ይተርፉና እዮም።
ራእይ
ደው ንዝበልካሉ ዕላማን ተግባርን ካበይ ጀሚሩ ኣበይ ከምዘበፅሐ ዝሕብር ንነዊሕ እዋን
እትምርሓሉ ሰናይ ድልየት መግለፂ እዩ። በዙይ መሰረት’ውን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንቐፃሊ
ዓሰርተ ዓመታት እትምርሓሉ ራእይ ‘’ ካብ ድኽነትን ድሕረትን ናፃ ዝኾነትን ዝበልፀገትን
ትግራይ ንምረኣይ’ዩ’’ እዚ ራእይ ካብ ትግራይ ድኽነትን ድሕረትን ክሳብ ዝጠፍእ ናይ ሓደ
ወለዶ ዕድመ ዝኣክል ቐፃልነት ዘለዎ ቃልሲ ፣ ህልኽን ውፍይነትን ዝሓትት ብሄራዊ ቃል
ኪዳን እዩ።
ካብ
ድኽነትን ድሕረትን ናፃ ዝኾነት ሃገር ብጠቕላላ ህዝቢ ትግራይ ድማ ብፍላይ ንምህናፅ
ብዋናነት ናይ መንግስትን ሕብረተሰብን ዋኒን ኮይኑ ማሕበር ልምዓት ትግራይ’ውን ከም መጠን
ካብ ህዝቢ ተፈጢራ ፣ ብህዝቢ ጎልቢታ ንህዝቢ እተገልግል ህዝባዊ ማሕበር ነዚ ራእይ
ተግባራዊ ንምግባር ብሓዱሽ ወነን ፣ ናህርን ብዝተጠናኸረ ኣወዳድባን ኣሰራርሓን ንቕድሚት
ኣብ ምግስጋስ ትርከብ። ነዚ ክቡርን ቕዱስን ራእይ ተግባራዊ ኣብ ምግባር ኣባላታን
ደገፍታን ካብ ጎና ከምዘይፍለዩ ብምእማን ህዝብና ካብ ጥምዮት ፣ ስደት ፣ ሕማምን
ድንቁርናን ተናጊፉ ምዕቡል ፣ ስሙይን ክቡርን ህዝቢ ከምዝኸውን’ውን ኣይንጠራጠርን።
ሕዚ’ውን
ልምዓት ዓዲ ብደቂ ዓዲ!!
ሓድነትናን ፅንዓትናን መሰረት
ልምዓትና ‘ዩ!
Tigrai Development Association(T.D.A) is a non-profitable NGO. Our objective is
to serve people in different sectors like:
|
Education
Health
Skill training |
Clean water supply
Transportation
etc. |
|