በቲ ኣብ ሻድሻይ ስሩዕ ጉባኤ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝተመሓላለፈ
ውሳነ መሰረት ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝርከባ ጨናፍርን ንኡሳን ጨናፍርን
ማሕበር ልምዓት ትግራይ መደባት መተኣኻኸቢ እቶት ብዕውት ኣገባብ ብምክያድኣባ
ላት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብምትሕቑቛፍ እቶት ማሕበር ልምዓት ትግራይ የሰስና
ከምዘለዋ ተሓቢሩ።
ካብ ውሽጢ ዓዲ ጨንፈር ኣዲስ ኣበባ ኣብ ትሕቲኣ ዘርከባ ንኡሳን
ጨናፍር (ክፍላተ ከተማ) ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት መደባት መተኣኻኸቢ እቶት
ኣካይደን። በዚ መሰረት ንኡስ ጨንፈር ክፍለ ከተማ ልደታ ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ
10 ኣብ ኣዳራሽ ቤት ትምህርቲ ተግባረእድ ኣብ ዘሳለጠቶ መደብ መተኣኻኸቢ እቶት
ልዕሊ 23 ሽሕ ቅርሺ ከምዘተኣኻኸበት ዝረኸብናዮ ፀብፃብ የመልክት።
እዚ
ከምዚ ኢሉ እንተሎ ንኡስ ጨንፈር ክፍለ ከተማ ቦሌ እውን ዕውትመ ደብ መተኣኻኸቢ
እቶት ኣብ ዝሓለፈ 8 ጉንበት 1996 ዓ.ም ከምዘካየደት ተሓቢሩ። ኣብቲ ካብ
ቤት ዕዮ ሃፍቲ ልምዓት ማይ ብናፃ ዝተረኸበ መኣከቢ ኣዳራሽ ዝተሰናደአ በዓል
መተኣኻኸቢ እቶትል ዕሊ 129 ሺሕ ቅርሺ ከምዝተረኸበ እታ ክፍለ ከተማ ብዛዕባ
እቲ ዝተኻየደ ተሃድሶ ኣብ ዝሓለፈ 30ነ ሓሰ 1996 ዓ.ም ኣብ ዘቕረበቶ
ኣጠቓላሊ ፀብፃብ ተሓቢሩ። ካብ መሸጣ ትኬት ፣ መስተን ብልዕን 25378.25
(ዒስራን ሓሙሽተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ሰብዓን ሸሞንተን ቅርሺ ዒስራን
ሓሙሽተን ሳንቲምን) ካብ ኣባላትን ደገፍትን ልምዓትት ትግራይ 98550 (ቴስዓን
ሸሞንተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሓምሳን ቅርሺ) ከምኡ’ወን ካብ መሸጣ ጨረታ
ምስልታት ሓወልቲ ኣኽሱምን ሓየሎም ኣርአያን 5310.20 (ሓሙሽተ ሽሕን ሰለስተ
ሚእትን ዓሰርተን ቕርሺን ዒስራ ሳንቲምን) ተረኺቡ’ዩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንተሎ ብ25 ሓምለ 1996 ዓ.ም ማሕበር ልምዓት
ትግራይ ክፍለ ከተማ ኣራዳ ኣብ ግዳማዊ ምኒሊክ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣዳራሽ
ኣብ ዝተኻየደ በዓል መደብ መተኣኻኸቢ አቶት 60000 (ስሳ ሽሕ ቕርሺ) ምርካባ
ኣቦ መንበር ኣሰናዳኢት ኮሚቴ እቲ በዓል ኣይተ ጌዲዮን ኪሮስ ገሊዖም።
ኣይተ ጌዲዮን ከምዝበልዎ ነዚ በዓል ንምድላው ልዕሊ ሓደ ወርሒ ዝኣክል ግዜ
ከምዝወሰደ ኣዘኻኺሮም። እቲ በዓል ካብ ዘተገመተ ንላዕሊ ዕውት ምንባሩ ብምግላፅ
ናይ ሜጀር ጀኔራል ሓየሎም ኣርኣያ ምስሊ ብሓንቲ ሽመን ክጥቀሳ ዘይደለያ ኣባል
ብ6100 (ሽዱሽተ ሽሕን ሓደ ሚኢትን ቕርሺ) ናይ ሰማዕታት ሐወልቲ ድማ ሓጂ
መሓመድ ኣወል ራጁ ብ6000 (ሽዱሽተ ሽሕ ቕርሺ) ኣሸናፊ ብምዃን 12100.00
(ዓሰርተ ክልተ ሽሕን ሓደ ሚኢትን ቕርሺ) ካብ ጨረታ ኣታዊ ከምዝተረኸበ
ኣብሪሆም። ብተወሳኺ ካብ ወናኒ ባሕረ ነጋሽ ክሊኒክ ዶ/ር ሙሉ 10000.00
(ዓሰርተ ሽሕ ቕርሺ) ፣ ናሽናል ሞተርስ ኮርፖሬሽን 2000.00 (ክልተ ሽሕ
ቕርሺ) ፣
ካብ ወናኒ ቃና ዘይትን ሕሩጭን ፋብሪካ ኣይተ ከበደ ምራጭ
1000.00 (ሓደ ሽሕ ቕርሺ) ፣ ካንትሪ ትሬዲንግ 1000.00 (ሓደ ሽሕ
ቕርሺ) ፣ ባለዛፍ ኣልኮልን መስተን ፋብሪካ 1000.00 (ሓደ ሽሕ ቕርሺ) ፣
ስፖንሰር ብምዃን ንዝገበርዎ ኣብነታዊ ሓገዝን ካልኦት ዓቕሞም ብዝፈቐዶ
ንዘበርከትዎ ኩሉ ሓገዝ ብሽም ማሕበር ልምዓት ትግራይ ክፍለ ከተማ ኣራዳ
ኣሰናዳኢት ኮሚቴ ምስጋነኦም ኣቕሪቦም።
እዚ ከምዚ ኢሊ እንተሎ እታ ብዕለት 18/11/96 ዓ.ም ዝተጣየሸት
ሓዱሽ መሰረታዊ ማሕበር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ከተማ ቡራዮ ብመስከረም 17
1997 ዓ.ም ኣብ ከተማ ቡራዮ ኣብ ዘሳለጠቶ መደብ መተኣኻኸቢ እቶት ልዕሊ 10
ሽሕ ብር ካብ ዝተፈላለዩ ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ከምዘተኣኻኸበት ተፈሊጡ’ሎ።
ኣብቲ ቤት ማዘጋጃ ከተማ ቡራዮ ዝተኻየደ በዓል መደብ መተኣኻኸቢ እቶት ብመልክዕ
ወፈያ ፣ መሸጣ መስተን ትኬትን ከምኡ’ውን ሓደ ጥርሙዝ ውስኪ ብምጭራት እቲ
ኣታዊ ከምዝሰተረኸበ ተመልኪቱ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንተሎ ጨንፈር ደቡብ
ኢትዩጵያ’ውን ኣብ ወርሒ ሰነ ዕውት ዝበሃል መደብ መተኣኻኸቢት እቶት ብምክያድ
ኣስታት 26 ሽሕ ቕርሺ ክተተኣኻኽብ ክኢላ’ያ። ብተወሳኺ ኣባላትን ደገፍትን
ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንኡስ ጨንፈር ሻሸመኔ ንመጠናኸሪ ስራሕቲ ልምዓት ትግራይ
መሓገዚ ዝውዕል’ውን 7500.00 ቕርሺ ኣተኣኻኺቦም። ብዘይካ’ዚ ማሕበር ልምዓት
ትግራይ ጨንፈር ዓፋር ንኽብርን ዝኽርን ሰማእታት ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዓፋር
ዝርከቡ ኣባላትን ደገፍትን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብምትሕብባር ብዕለት 12ን
13 ሰነ 1996 ዓ.ም ዓብይ በዓል መደብ መተኣኻኸቢ እቶት ብምድላው ንማሕበር
ልምዓት ትግራይ ኣታዊ ኮይኑ ኣብ ልምዓት ዝውዕል ልዕሊ ዓሰርተ ሽሕ ቕርሺ
ኣተኣኻኺቦም።
ብተመሳሳሊ ዜና ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንኡሰ ጨንፈር ጅዳ ኣብ
ዘሰናደኣቶ ናይ ድራር ምሸት ብርከት ዝበለ ቕርሺ ኣተኣኻኺባ’ላ። ዓሽራይ ዓመት
ምስረታ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንኡስ ጨንፈር ጅዳ ምኽንያት ብምግባር 20 ነሓሰ
1996 ዓ.ም ኣብ ጅዳ ኣብ ኣዳራሽ ቤት ፅሕፈት ቆንሰላ ኢትዮጵያ ብዝደመቐ
ኩነታት ተኸቢሩ ምውዓሉ ተሓቢሩ’ሎ።
10ይ ዓመት በዓል ምሰረታ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ጅዳ
ንምኽባርን ውሳነታት 6ይ ስሩዕ ጉባኤ እታ ማሕበር ተግባራዊ ንምግባርን ኣብ
ዝተኻየደ ናይ ድራር ምሽት ካብ ወፈያ ኣባላትን ደገፍትን እታ ማሕበር 45 ሽሕ
ቕርሺ ከምዝተኣከበ ኣቦ መንበር ኮሚቴ ኣመራርሓ ስራሕ መምህር ያሲን ራጅኡ
ገሊፆም። ሽዑ ካብ ፍሉይ ቤት ፅሕፈት ልኡል ኣብዱል ዓዚዝ ፋሃድ ዓብዱል ዓዚዝ
ዝተዓደሙ ኣጋይሽ ተረኺቦም ነይሮም። ኣባላት ኣመራርሓ ማሕበር ልምዓት ትግራይ
ጨንፈር ጅዳ ናብ ፍሉይ ቤት ፅሕፈት እቶም ልዑል ብምኻድ ኣብ ትግራይ 20
ኣብያተ ት/ቲ ንምህናፅ ከምዝደልዩምስ ገለፁሎም እቶም ልኡል ኣድላይ ዘበለ
ሓገዝ ከምዝገበሩ ምግላፆም ተሓቢሩ’ሎ። ብተመሳሳሊ ምዕባለ ኣባላት ማሕበር
ልምዓት ትግራይ ጨንፈር የመን ንልምዓታዊ ስራሕቲ ትግራይ መሓገዚ ዝውዕል 50
ሽሕ ቕርሺ ኣተኣኺኺቦም። ኣባላትን ደገፍትን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር
የመን ብምኽንያት ሓዱሽ ዓመት 1997 ዓ.ም ኣብዘካየድዎ በዓል መተኣኻኸቢ እቶት
ንመጠናኸሪ ስራሕቲ
ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝውዕል 50 ሽሕ ቕርሺ ኣተኣኻኺቦም። ኣብ
ሰሜን ኣሜሪካ ክፍለ ከተማ ላስቬጋስ ዝነበሩ ኣባላት ማሕበር ልምዓት ትግራይ
ብሽሞም ቤት ትምህርቲ ንምህናፅ ይሸባሸቡ ኣለዉ።
ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ላስቬጋስ ዝርከቡ ኣባላትን
ደገፍትን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብሽም ኣባላት ላስቬጋስ ማሕበር ልምዓት ትግራይ
ዝፅዋዕ ሓደ ቤት ትምህርቲ ኣብ ትግራይ ንምስራሕ ጭቡጥ ስራሕቲ ከምዝጀመረት
ካብቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ፀብፃብ የመልክት። ብሽሞም መኽፈቲ ቑፅሪ ሒሳብ ባንኪ
ዝኸውን ሸውዓተ ሽሕ ዶላር ኣሜሪካ ናብ ዓለምለኸ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት
ትግራይድ ማ ልኢኾም ኣለዉ። እቶም ኣባላት በብወርሑ ናይ ድራር ምሸት ብምስንዳእ
ኣታዊ ንምትእኽኻብ ተሊሞምየ ይንቀሳቐሱ ከምዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ’ዩ።