ኣብ ጨናፍር ውሽጢ ዓድን ወፃእን መደባት መተኣኻኸቢ
እቶት ተጠናኺሮም
ይቕፅሉ አለዉ
በቲ ኣብ ሻድሻይ ስሩዕ ጉባኤ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝተመሓላለፈ
ውሳነ መሰረት ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝርከባ ጨናፍርን ንኡሳን ጨናፍርን
ማሕበር ልምዓት ትግራይ መደባት መተኣኻኸቢ እቶት ብዕውት ኣገባብ ብምክያድ
ኣባላት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምትሕቑቋፍ እቶት ማሕበር ልምዓት ትግራይ የሰስና ከምዘለዋ
ተሓቢሩ።
ካብ
ውሽጢ ዓዲ ጨንፈር ኣዲስ አበባ ኣብ ትሕቲኣ ዝርከባ ንኡሳን ጨናፍር (ክፍላተ
ኸተማ) ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት መደባት መተኣኻኸቢ እቶት ኣካይደን።
በዚ
መሰረት ንኡስ ጨንፈር ክፍለ ከተማ ልደታ ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ 10 ኣብ ኣዳራሽ
ቤት ትምህርቲ ተግባረእድ ኣብ ዘሳለጠቶ መደብ መተኣኻኸቢ እቶት ልዕሊ 23 ሽሕ
ቅርሺ ከምዘተኣኻኸበት ዝረኸብናዮ ፀብፃብ የመልክት።
እዚ
ከምዚ ኢሉ እንተሎ ንኡስ ጨንፈር ክፍለ ከተማ ቦሌ እውን ዕውት መደብ መተኣኻኸቢ
እቶት ኣብ ዝሓለፈ 8 ጉንበት 1996 ዓ.ም ከምዝካየደት ተሓቢሩ። ኣብቲ ካብ
ቤት ዕዮ
ሃፍቲ ልምዓት ማይ ብናፃ ዝተረኸበ መኣከቢ ኣዳራሽ ዝተሰናደአ በዓል
መተኣኻኸቢ እቶት ልዕሊ 129 ሺሕ ቅርሺ ከምዝተረኸበ እታ ክፍለ ከተማ ብዛዕባ
እቲ ዝተኻየደ ተሃድሶ ኣብ ዝሓለፈ 30 ነሓሰ 1996
ዓ.ም ኣብዘቕረበቶ ኣጠቓላሊ ፀብፃብ ተሓቢሩ። ካብ መሸጣ ትኬት ፣ መስተን
ብልዕን 25378.25 (ዒስራን ሓሙሽተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ሰብዓን ሸሞንተን
ቅርሺ ዓስራን ሓሙሽተን ሳንቲምን) ፣ ካብ ኣባላትን ደገፍታን ልምዓት
ትግራይ
98.550 (ቴስዓን ሸሞንተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚኢትን ሓምሳን ቅርሺ
ከምኡውን ካብ መሸጣ ጨረታ ምስልታት ሓወልቲ ኣኽሱምን ሓየሎም ኣርአያን
5310.20 (ሓሙሽተ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ዓሰርተን ቅርሽን ዓስራ ሳንቲምን
ተረኺቡ’ዩ።
እዚ
ከምዚ ኢሉ እንተሎ ብ25 ሓምለ 1996 ዓ.ም ማሕበር ልምዓት ትግራይ ክፍለ
ከተማ ኣራዳ ኣብ ግዳማዊ ምኒሊክ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣዳራሽ ኣብ ዝተኻየደ
በዓል መደብ መተኣኻኸቢ እቶት 60000 (ስሳ ሽሕ ቕርሺ) ምርካብ ኣቦ መንበር
ኣሰናዳኢት ኮሚቴ እቲ በዓል ኣይተ ጌዲዮን ኪሮስ ገሊፆም። ኣይተ ጌዲዮን
ከምዝበልዎ ነዚ በዓል ንምድላው ልዕሊ ሓደ ወርሒ ዝኣክል ግዜ ከምዝወስድ
ኣዘኻኺሮም። እቲ በዓል ካብ ዝተገመተ ንላዕሊ ዕውት ምንቫሩ ብምግላፅ ናይ ሜጀር
ጀኔራል ሓየሎም ኣርኣያ ምስሊ ብሓንቲ ሽመን ክጥቀስ ዘይደለያ ኣባል ብ
6100.00 (ሽዱሽተ ሽሕን ሓደ ሚእትን ቕርሺ) ናይ ሰማዕታት ሓወልቲ ድማ ሓጂ
መሓመድ ኣወል ራጁ ብ 6000.00 (ሽዱሽተ ሽሕን ቕርሺ) ኣሸናፊ ብምዃን
12100.00 (ዓሰርተ ክልተ ሽሕን ሓደ ሚእትን ቕርሺ) ካብ ጨረታ ኣታዊ
ከምዝተረኸበ ኣብሪሆም። ብተወሳኺ ካብ ወናኒ ባሕረ ነጋሽ ክሊኒክ ዶ/ር ሙሉ
10000.00 (ዓሰርተሽሕቕርሺ፣ካቤ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር
5000.00 (ሓሙሽተ ሽሕ ቕርሺ) ናሽናል ሞተርስ ኮርፖሬሽን 2000.00
(ክልተ ሽሕ ቕርሺ) ፣ ካብ ወናኒ ቃና ዘይትን ሕሩጭን ነሓሰ 1996 ዓ.ም ኣብ
ጅዳ ኣብ ኣዳራሽ ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ኢትዮጵያ ብዝደመቐ ኩነታት ተኸቢሩ ምውዓሉ
ተሓቢሩ’ሎ።
10ይ ዓመት በዓል ምስረታ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ጅዳ
ንምኽባርን ውሳነታት 6ይ ስሩዕ ጉባኤ እታ ማሕበር ተግባራዊ ንምግባርን ኣብ
ዝተኻየደ ናይ ድራር ምሽት ካብ ወፈያ ኣባላትን ደገፍትን እታ ማሕበር ያሲን
ራጅኡ ገሊፆም።
ሽዑ
ካብ ፍሉይ ቤት ፅሕፈት ልኡል ኣብዱል ዓዚዝ ፋሃድ ዓብዱል ዓዚዝ ዝተዓደሙ
ኣጋይሽ ተረኺቦም ነይሮም።
ኣባላት ኣመራርሓ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ጅዳ ናብ ፍሉይ ቤት
ፅሕፈት እቶም ልኡል ብምኻድ ኣብ ትግራይ 20 ኣብያተ ት/ቲ ንምህናፅ ከምዝደልዩ
ምስ ገለፁሎም እቶም ልኡል ኣድላይ ዘበለ ሓገዝ ከምዝገብሩ ምግላፆም ተሓቢሩ’ሎ።
ብተመሳሳሊ
ምዕባለ ኣባላት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር የመን ንልምዓታዊ ስራሕቲ ትግራይ
መሓገዚ ዝውዕል 50 ሽሕ ቕርሺ ኣተኣኻኺቦም። ኣባላትን ደገፍትን ማሕበር ልምዓት
ትግራይ ጨንፈር የመን ብምኽንያት ሓዱሽ ዓመት 1997 ዓ.ም ኣብዘካየድዎ በዓል
መተኣኻኸቢ እቶት ንመጠናኸሪ ስራሕቲ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝውዕል 50 ሽሕ
ቕርሺ ኣተኣኻኺቦም። ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ክፍለ ሃገር ላስቬጋስ ዝነብሩ ኣባላት
ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብሽሞም ቤት ትምህርቲ ንምህናፅ ይሸባሸቡ ኣሉ።
ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ማሕበር ልምዓት
ትግራይ ላስቬጋስ ዝርከቡ ኣባላትን ደገፍትን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብሽም ኣባላት ላስቬጋስ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝፅዋዕ
ሓደ ቤት ትምህርቲ ኣብ ትግራይ ንምስራሕ ጭቡጥ ስራሕተቲ ከምዝጀመረ ካብቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ፀብፃብ የመልክት። ብሽሞም መኽፈቲ
ቑፅሪ ሒሳብ ባንኪ ዝኸውን ሸውዓተ ሽሕ ዶላር ኣሜሪካ ናብ ዓለምለኸ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ድማ ልኢኾም ኣለዉ።
እቶም ኣባላት በብወርሑ ናይ ድራር ምሽት ብምስንዳእ ኣታዊ ንምትእኽኻብ ተሊሞም ይንቀሳቐሱ ከምዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ’ዩ።